Skip to main content

Shiga መርዚ ዘምርት / E. coli O157:H7 ረኽስታት ኣብ ኪንግ ካውንቲ ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃውያን ቆልዑ፣ኣባፅሕን ዓበይትን ማሕበረሰባት ምብራቕ ኣፍሪቃ ― ምንጩ ዘይፍለጥ

ብላዕሊ-ላዕሊ ክረኣ እንከሎ
ዝተረጋገፁ ህሙማት 8
ዝተጠርጠረ 0
ዕድመ ኣብ ሞንጎ 11 ኣዋርሕ ክሳዕ 35 ዓመት ዝገበሩ (እቶም ሓሙሸተ ሕሙማት ኣብ ትሕቲ ዕድመ ክልል15 ይርከቡ)
ጸብጻብ ዝተዋህበሉ ዕለት ታሕሳስ 31, 2021 – ነሓሰ18, 2022
ሆስፒታል ዝኣተው 6

5 ታሕሳስ 2022 ዝተመሓየሸ


ጽማቕ

ህዝባዊ ጥዕና ብ ሺጋ (Shiga ) መርዛም /E. coli (ስቴክ- STEC ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ኣብ እትበከሉ 8 ሰባት ንዝመጸ ለበዳ ኣብ ኪንግ ካውንቲ መርመራ አካይዱ። ካብ 26 ሰነ 2022 ኣትሒዙ ብዘይካ ሓደ ሰብ ኩሎም ሕሙማት ካብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

መብዛሕትኦም ሕሙማት ኣብቲ ዝተቓልዑሉ እዋን ስጋ ጤልን ዝተጠሓነ ስጋ ከብትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስጋ ከምዝበልዑ ሓቢሮም።

ኩሎም ሕሙማት ብመሰረት ውጽኢት መርመራ ዓሻራ ናይ ዓሌት (ሙልእ ዓሌታዊ መስርዕ ) ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም ኩሎም ሕሙማት ተመሳሳሊ ዓሌት ሕማም ስቴክ/STEC ከም ዝነበሮም የመልክት፡ እዚ ማለት ድማ ናይ ሓባር ጠንቂ ረኽሲ ነይርዎም ክኸውን ከምዝኽእል እዩ።ሕማማት

ሕማማት

ንውጽኣት (ደም ዝተሓወሶ)፣ቅርጸት ከብዲ፣ ዕግርግርን ተምላስን ሓዊስካ ኩሎም ሕሙማት ምስ ስቴክ / STEC ዝጥዓዓም ምልክታት ኣርእዮም እዮም። ብጀካ ሓደ ሕሙም እቶም ዝተረፉ ኩሎም ክሓሙ ዝጀመሩ ካብ 20 ሰነ ክሳዕ 17 ነሓሰ 2022 ነይሩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ሓደ ተወሳኺ ሰብ ክሓምም ከም ዝጀመረ ብደብሊው ጂ ኤስ [WGS] ተፈልዩ። 3 ቆልዑ ከኣ ሄሞላይቲክ ዩረሚክ ስንድሮም (hemolytic uremic syndrome (HUS) ዝብሃል ዓይነት ሕልኽልኽ ኩሊት ኣማዕቢሎም። ኩሎም ሕሙማት ሓውዮም ኣለው።

ተግባራት ህዝባዊ ጥዕና

ህዝባዊ ጥዕና ብስቴክ /STEC ንዝሓመሙ ሰባት ወይ ወለዶም/ኣለይቶም ናይ ሓባር ምቅላዕ ንምልላይን ተወሳኺ ዝርጋሐ ንምክልኻል ዝሕግዝ መምርሒ ንምሃብን ቃለ መሕትት ኣካይዱ ኣሎ። ተወሳኺ መርመራታት ንምዝዛም ኣብ ካልኦት ኣውራጃታት/ካውንቲታት ተዛመድቲ ሕሙማት ንምልላይን ናይ ሓባር ፍርያት ምድላይ ንምጅማርን ምስ ክፍሊ ጥዕና ግዝኣት ዋሽንግተን ሰሪሕና።ብተወሳኺ ምስ መሻርኽቲ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ምልውዋጥ ሓበሬታ እዚ ለበዳ ተኻፊልና። ከምኡ’ውን ብዛዕባ መምሪሒ ምክልኻል ዝያዳ እዚ ለበዳ ብሓባር ሰሪሕና ።

መርመራ ጠንቂ ናይ ዚ ረኽሲ እዚ ተዛዚሙ ኣሎ ። ከም ኣካል እዚ መርመራ ሰራሕተኛታት ህዝባዊ ጥዕና ሕሙማት መግቦም ኣብ ዝገዝኡሉ እተፍላለዩ ብርክት ኣብ ዝበሉ ትካላት መግቢ ተደጋጋማይ መጽናዕትታት ኣካይዶም ብሕማም ስቴክ[STEC] ዝተበከሉ ሰባት ቅድሚ ነቲ ለበዳ ምቅልዖም ኣብ ዝነበሩ መዓልቲታት መግቦም ካብዚኦም ትካላት ከምዝገዝኡ ሓቢሮም። ኣብ እዋን እዘን ምብጻሓት/ምምልላሳት ሰራሕተኛታት ህዛባዊ ጥዕና ብዛዕባ ስርጭትን ምክልኻል/ምቁፅፃር ሕማም ኢ-ኮሊን [E. coli] ትምህርቲ ሂቦም። ብተወሳኺ መግብታት ኣብ ዝዳለውሎም ቦታታት ግቡእ ፅርየትን ናይ ኬሚካል ፅርየትን/ሳኒታይዜሽን ንኽህልው ኽትትል ንኽገብሩ ንኣመሓደርቲ መምሪሒ ሂቦም።

መልዕኽቲ ህዝባዊ ጥዕና

ከም እተጥሓነ ሰጋ ከብቲ ፣ጤልን በጊዕን ዝኣመሰሉን ጥረ-ሰጋታት ሓድሓደ ግዘ ከም ስቴከ-STEC ዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ተህዋስያን ጀርምታት ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምስ ለበዳ እዚ ሓደጋ ይተኣኣሳሰሩ ነይሮም።ካብ ሕማም ስቴክ-STEC ንምክልኻል ነዚኦም ኣርባዕተ ስጉምትታት ድሕንነት መግቢ ስዓቡ።

  • ኣጽርዩ፦ ኩሉ ግዜ ንኣእዳውኩም፣ ኣቕሑትን ቦታታትን ብተደጋጋሚ ሕጸቡ ። ኣእዳውኩም፣ ኣቕሑትኩምን ገጽኹምን ተሓጸቡ። ፍሩታትን ኣሕምልትን ቅድሚ ምብላዕኩም ፣ ቅድሚ ምቑራጽኩም ወይ ምቕላጥኩም ኣብ ትሕቲ ዝፈስስ ማይ ሕጸቡ።
  • ፍለዩ፥- ብጥረኦም ዝብልዑ መግብታት ካብ ጥረ-ሰጋ፣ደርሆ/ታኪን/ዳከዮን መግብታት ባሕሪን ፍለዩ።።
  • ኣብስሉ፥ንጀርምታት ክቐትል ብዝኽእል ዓቐን ሙቐት ብመዐቀኒ ሙቐት ምግቢ/ተርሞ ሜትር ተጠቒምኩም መግብኹም ምብሳልኩም ርግፀኛ ኩኑ።
  • ኣዝሕሉ፥ ብቀሊሉ ክበላሽዉ ንዝኽእሉ መግብታት(ዝበላሸው መግብታት) ኣብ ውሽጢ 2 ስዓታት ኣዝሕሉዎም/ኣብ ፍሪጅ ግበሩዎም። እቲ መግቢ ካብ 90 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ንላዕሊ ንዝኾነ ሙቐት እንተተቃሊዑ (ከም ውዑይ ማኪና ወይ ዙረት/ሓሩር) ኣብ ውሽጢ 1 ሰዓት ኣብ መዝሕሊ /ፍሪጅ ግበሩዎ። ንመግቢ ኣብ ባንኮኒ ዘይኮነስ ኣብ መዝሓሊ መግቢ ኣዝፍፉዎ።

ባዓልኩም ወይ ውላድኩም ዘሳቒ ወይ ደም ዝተሓወሶ ውፅኣት እንተድኣ ሃሊዩኩም ወይ ከኣ ልዕሊ 3 መዓልቲ ዝወስድ ውፅኣት ወይ ከኣ ብርቱዕ ረስኒ ወይ ዋሕዲ ሽንቲ እንተድኣ ሃሊዩኩም ምስ ኣላይ ኽንክን ጥዕናኹም ብምርኻብ ናይ ስቴክ/STEC መርመራ ዘድሊ ምዃኑ ኣፃርዩ።

እዚ ሕማም እዚ ነቶም ኣብ ከቢድ ወይ ከኣ ብረኽሲ ህይወቶም ኣብ ዝላዓለ ሓደጋ ሞት ክበፅሑ ኣብ ዝኽኣሉ ሰባት ዘይሰራጨው ምዃኑ ክነረጋግፅ ንደሊ። ምልክታት ዘለዎም ቆልዑት ኣብ ክንክን ቆልዑን መእዋለ ህፃናትን ክዋፈሩ የብሎምን።ካሎት ዝሓመሙ ሰባት ናብ ስራሕ ኣገልግሎት መግቢ፣ክንክን ጥዕና ወይካዓ ክንክን ህፃናት ክኸዱ የብሎምን። ቅድሚ ናብ ስራሕኩም፣ናብ ክንክን ቆልዑትን መእዋለ-ህፃናትን ምምልላስኩም ሓለዋ ጥዕና ማሕበረሰብ ነቲ ሕማም ናብ ካል ኦት ኣመሐላለፍቲ ከምዘይኮንኩም ንምርግጋፅ ኣድላይ ዝኾነ ዝያዳ መርመራ ንኽትገብሩ ክሕግዘኩም እዩ።

ናይ ላብራቶሪ መርመራ

ኣብ መርኣያ/ናሙና ኣብ ተገበረ መርማራ ኩሎም ሕሙማት ብኢኮላይ/ E. coli O157:H7 ከም ተበከሉ ውፅኢት መርመራኦም የረጋግፅ። ብመሰረት ኣብ ላብራቶሪ ሓለዋ ጥዕና ማሕበረሰብ ዋሽንግተን ሰቴት ብዝትገብረ ውፅ ኢት ዓሻራ ናይ ዓሌት (ሙልእ ዓሌታዊ መስርዕ (WGS) ኩሎም ሕሙማት ተመሳሳሊ ዓሌት ሕማም ስቴክ/STEC ነይሩዎም።

expand_less